ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2026) Titelbild

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2026)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2026)

Jetzt kostenlos hören, ohne Abo

Details anzeigen

Über diesen Titel

ን ሎሚ ሰኑይ 23 ለካቲት 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ቅዱስ ወርሒ ረመዳን ኣትዩ ኣመንቲ ምስልምና መላእ ዓለም ገለ መዓልታት ጾምን ስዕረትን ኣጠናቒቖም ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ፣ ኣዳራሻት ቤት ንግድታት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ቁጽሪ ጸወምቲ ንምእንጋድ መዓጹአን ነዊሕ ሰዓታት ክሳብ ድሕሪ ዕራርቦ ጸሓይን ሰዓታት ወጋሕታን ይኸፍታ’ለዋ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ክሳብ ኣብ 2024 ዘሎ ግዜ፡ 683,000 ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓቱ ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዉ.ሕ.ሃ ከም ዝተመዝገቡ ጸብጻብ ናይ’ቲ ዉድብ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ካብታ ሃገር ዝወጸ ህዝቢ ዝበዝሑ ካብኦም መንእሰያት ምዃኖም ይፍለጥ። ካብታ ዉሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወጻኢ ክስደድ ዝገበረ ኩነታት ኣብታ ሃገር ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋ፡ መጻኢ ኩነታት ናይቲ ተሰዲዱ ዘሎን ዝወልዶም ዉሉዳትን፡ እቲ ዝተሰደ ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ዕድልን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከይዱ ክምለስ ናይ ዝደሊ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛን ምስ’ዚ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ኣቶ ፊልሞን ሓጎስ መሊሱልና ኣሎ። ዝሓለፈ ሓሙስ ዝጀመርናዮ ዕላል ሎሚ ክንቅጽሎ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ቀረብ ኤለክትሪክ ንምምሕያሽ ባጀት ሰሊዑ። ማዕከን ዜና ፈረንሳ (AFP) ኢትዮጵያዊ ወኪሉ ንጸብጻብ ናብ ትግራይ ከይገይሽ ከምዝተኸልከለ ኣቃሊዑ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዘይተስማመዐ ገሊጹ። ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ኣውሮጳ ዘጽንሕ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ዜጋታታ ምቕባላ ንኢዱ። ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ሃኒጻ ክብል ቀዳማይ ሚንስተር ናይታ ሃገር ተዛሪቡ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ተቓውሚ ኣውስትራሊያ ናይቶም ምስ ናይ ቀደም ኣባላት ኣይ ኤስ ርክብ ዝነበሮም ኣውስትራሊያውያን ኣንስትን ህጻናትን ፓስፖርት ክንጸግ ጻውዒት ኣቕሪቡ ። ኢትዮጵያ 'ሓድሽ መጠነ ሰፊሕ ግጭት' ንምጅማር ኣብ ቀረባ ከምትርከብ ጉጅለታት መሰላት ብምጥንቃቕ ህጹጽ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ጸዊዖም። ኖርወጃዊ ዮሃንስ የርፍሎት ክላውቦ ኣብ ሓደ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ሽዱሽተ መዳልያታት ወርቂ ዝረኸበ ናይ መጀመርታ ተቐዳዳማይ ኰይኑ ኣሎ ።
Noch keine Rezensionen vorhanden